Misure contro il covid (22.12.2020)
Le nuove misure in vigore dal 12 dicembre 2020 al 22 gennaio 2021 in Svizzera
ኣገዳሲን እዋናዊን ሓበሬታ
ፈደራላዊ ቤት ምኽሪ ስዊዘርላንድ ነዚ ዝስዕብ ተወሳኺ ዉሳነታት ፣ ካብ ጽባሕ ቀዳም ዕለት 12.12.2020 ጀሚሩ ክሳብ 22.01.2021 ዝትግበር፣ ሎሚ ኣመሓላሊፉ።
እዚ ተመሓላሊፉ ዘሎ ዉሳነ መቐጸልታ ናይቲ ኣቀዲሙ ክወሃብ ዝጸነሐ ዉሳነታት እዩ:
- ብዘይካ ፋርማሲታት፣ ኣብ ጎደናታት ዝግበር ዕዳጋን እንዳ ነዳዲን ካልእ ኩሉ ኣገልግሎት ዝህብ ቦታታት ከም ዱካዉንቲ፣ ባራት፣ ሬስቶራንትን ናይ ስፖርት ማእከላትን ካብ ሰዓት 7 ድሕሪ ቀትሪ ኣትሒዙ ክዕጾ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ኣሎ።
-ሰንበት ከኣ ብዘይካ ሬስቶራንት፣ ባራትን መሰልቶምን ካልእ ኩሉ ክዕጾ ከም ዝኾነ ፈደራላዊ ቤት ምኽሪ ስዊዘርላንድ ኣፍሊጡ።
- ዕለት 24.12.2020፣ ድሮ ሓድሽ ዓመትን ኣብ ኣውደኣመታትን ድማ፣ እዚ ተነቢሩ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ክሳብ ሰዓት 1 ናይ ለይቲ ክናዋሕ ተፈቂዱሎ።
- ናይ Takeawayን ናይ ናብ ገዛኻ መግቢ ዘብጽሑ ኣገልግሎት ግን ሰዓት 7 ናይ ምሸት ዘይኮነስ፣ ክሳብ ሰዓት 11 ናይ ምሸት ኣገልጉሎቱ ክህብ ተፈቂድዎ ኣሎ።
ዝበዝሓ ብ ምዕራብ ስዊዝ ዝርከባ ካንቶናት፣ በቲ ዘለወን ዋሕዲ ናይ ብ ኮሮና ዝተለኽፉ ቁጽሪ መበገሲ ብምግባር፣ ኣብ ካንቶነን ዘሎ ናይ ሰዓት ገደብ ካብ ስዓት 11 ናይ ምሸት ክገብርኦ ይኽእላ እየን።
ዝኾነ ሕቶታት አንተ ሃልይኩም ኣብዚ ታሕቲ ጸሓፉልና።
ሓበሬታና ንምክትታል ነዚ Facebook ገጽ Like ግበርዎ።